ናይ ቡምባ ማይ ክስተ ዝከኣል እዩ

ኣብ ቤልጅዩም፡ ናይ ቡምባ ማይ ክስተ ዝከኣል እዩ። ክትሰትይዎ ዘይትኽእሉ ማይ፡ ምስታይ ክልኩል ምዃኑ ዝገልጽ ምልክት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ።

ዝስተ ማይ

ክስተ ዝከኣል

ኣብ ዝዀነ ኵርናዕ ናይ ቤልጂዩም፡ ናይ ቡምባ ማይ ክስተ ዝከኣል እዩ። ኣዝዩ ጥቡቕ ቍጽጽር እዩ ዝግበረሉ። ኣብ ገሊኡ፡ ከተፍልሕዎ እንከለኹም ጻዕዳ ነገር ክትዕዘቡ ዝከኣል እዩ። እዚ ኖራ እዩ። ኖራ ንጥዕና ሃሳዪ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኖራ ኣብ ጸባ`ውን ይርከብ እዩ።

ዘይስተ ማይ

ምልክት ክልኩል

ኣብ ቡምባ ምልክት `ክልኩል` ምስዝህሉ፡ እቲ ማይ ዘይስተ እዩ ማለት እዩ። ካብ ዒላ ዝተረኽበ ናይ ዝናብ ማይ ክኸውን ይኽእል እዩ።