ምምሃር ቋንቋ ሆላንድ ወይ ፈረንሳ

ኣብ ቤልጂዩም ንምስራሕ፡ ንምምሃርን ምስ ሰባት ርክብ ንምፍጣርን፡ ነቲ ቋንቋ ክትምሃርዎ የድልየኩም። ኣብ ቤልጂዩም፡ ናይ ቋንቋ ሆላንድ ወይ ፈረንሳ ኮርስ ክትወስዱ ትኽእሉ፣ ንሱ፡ ንሓደሽቲ ዝኣተዉ ዘይደቂ ዓዲ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ።

ሃገራዊ ቋንቋ ምጽናዕ

ነቲ ቛንቋ ኣበይ ክምሃሮ ይኽእል፧

ኣብ በልጅም፡ ህዝቢ ቋንቋ ፈረንሳ ወይ ሆላንድ ይዛረብ፡ ንሳቶም ኣበይ ይቕመጡ ብምምርኳስ። ኣብ ሓደ ንእሽቶ ክፋል ናይታ ሃገር (ኣውራጃ Liège (ልየጀ)) ህዝቢ ቋንቋ ጀርመን ይዛረቡ።

  • ክሎም ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ቋንቋ ሆላንድ፡ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ይምሃሩ።
  • ክንዲ-ሰብ ዝኣኸሉ ስልጠና ቋንቋ ንምውሳድ ክምዝገቡ ይኽእሉ።
ቪድዮ 'ናይ ቋንቋ ስልጠና' ነቲ ቋንቋ ናይቶም ሱብታይትላት ንምቕያር ኣብ "cc" ጠውቑ።