ስራሕ ከተናድዩ ደሊኹም

ስራሕ'ዶ ተናድዩ ኣለኹም? ኣብ ትካል ዕዮ ተመዝገቡ።

ኣብ ስራሕ ክትዋፈሩ ምስእትደልዩ፡ ኣብ ወኪል ስራሕ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንሳቶም ምስ ክእለታትኩም ዝዛመድ ስራሕ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም። ነፍሲ-ወከፍ ኣውራጃ ፍሉይ ናይ ስራሕ ወኪል ኣለዋ፦

  • VDAB (ኣብ ፍላንደርስ)
  • ACTIRIS (ብራስለስ)
  • FOREM (ዋሎኒያ)
  • ARBEITSAMT (ቋንቋ ጀርመን ዝዛረብ ኮም)

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ናይ ወኪል ስራሕ ምምዝጋብ

ድሕሪ 4 ኣዋርሕ ናይ'ቲ ንኣህጉራዊ ሓለዋ/ዕቑባ ዝምልከት መመልከቲ ዘቕረብኩሙሉ እዋን፡ ማለት ካብ CGVS/CGRA መልሲ እንተዘይተዋሂቡኩም፡ ከም ደለይቲ ስራሕ፡ ኣብ ገለ ቤት-ጽሕፈት ወኪል ስራሕ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም። 

ኣብዞም ወለክቲ እዚኦም ከም ደለይቲ ስራሕ ንምምዝጋብ፡ እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ከድልይኹም እዮም፥

ገለ ቤት-ጽሕፈት ወኪል ስራሕ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ

  • ዕድል ስልጠና ወይ ግብራዊ ልምምድ ስራሕ ኣናድዩ።
  • ክትሰርሑ ምእንቲ ኣብ ናይ ቋንቋ ሆላንድ ወይ ፈረንሳ ትምህርትታት ተሳተፉ።
  • ናትኩም ዝርዝር ተመኩሮ፡ ናይ ዕላማ ደብዳበ ወይ ኣብ ምድላው ንቃለ-መሕተት ይሕግዝኹም።
  • ምስ ተመኵሮኹምን ዝንባሌኹምን ዝሳነዩ ክፉታት ናይ ስራሕ ቦታታት እንተ`ለዉ ሃሰው በሉ።

ኣብ ፍላንደርስ ዝርከቡ ንሓደስቲ መጻእተኛታት ዝዀኑ ዕድላት ስራሕ
ምስ ደረጃ ምልከት ቋንቋ ናይ ሓደስቲ መጻእተኛታት ዝሳነዩ ዕድላት ስራሕ ርኸቡ፦ ናብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ VDAB ብምእታው፡ ኣብ ትሕቲ 'Zoek een job' ዝብል ኣርእስቲ '#Werkplekvrij' ዝብል ኮድ ጽሓፉ።

ናይ VDAB ከም መፈተሺ ሓበሬታ ዘገልግል ገጽ

ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ ንሓደስቲ መጻእተኛታት ዝዀኑ ዕድላት ስራሕ
ምስ ደረጃ ምልከት ቋንቋ ናይ ሓደስቲ መጻእተኛታት ዝሳነዩ ዕድላት ስራሕ ርኸቡ፦ ናብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ACTIRIS ብምእታው፡ ኣብ ትሕቲ 'Vind een job' ወይ 'Trouvez un emploi' ዝብል ኣርእስቲ'#Welcome' ዝብል ኮድ ጽሓፉ።

ከም Actirisከም መፈተሺ ሓበሬታ ዘገልግል ገጽ

ኣብ ዋሎኒያ ዝርከቡ ንሓደስቲ መጻእተኛታት ዝዀኑ ዕድላት ስራሕ
ምስ ደረጃ ምልከት ቋንቋ ናይ ሓደስቲ መጻእተኛታት ዝሳነዩ ዕድላት ስራሕ ርኸቡ፦ ናብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ FOREM ወይ ARBEITSAMT (ቋንቋ ጀርመን ዝዛረብ ኮም) ብምእታው፡ ኣብ ትሕቲ 'Trouvez un emploi’ ዝብል ኣርእስቲ '#Dispo’ ዝብል ኮድ ጽሓፉ።

ናይ Forem ከም መፈተሺ ሓበሬታ ዘገልግል ገጽ