ጉዳይ ብሕትውናን ባዕላዊ ሕድገት መሰልን

እቲ ህሉው ኣዋጅ እዚ፡ ፌዳሲል ከመይ ገይሩ ውልቃዊ ዳታ ብዛዕባ'ቲ ፌዳሲል ሓላፍነት ዝወስደሉ መርበባት-ሓበሬታ ከምዝምስርሕ ዝገልጽ እዩ።

ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታ

እቲ ናይ 8 ታሕሳስ 1992 በልጅማዊ ሕጊ ብዛዕባ ሓለዋ ምስጢርነት ብዛዕባ ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታ ውሱናት መሰላት ሂቡ። እዚኦም ክሎም ንቀጥታዊ ወይ ዘይቀጥታዊ ምልላይ ሰብ ዘፍቅዱ ዳታ እዮም። ውልቃዊ ዳታ ካብ ሕጂ ንድሓር በቲ General Data Protection Regulation (GDPR, ሓፈሻዊ ሕጊ ሓለዋ ዳታ) እውን ቁጽጽር ይግበረሎም፡ ቁጽጽር (ኤውሮጳዊ ሕብረት) 2016/679 ናይቲ ኤውሮጳዊ ባይቶ ከምኡ ድማ ናይ ቆንስል 27 ሚያዝያ 2016 ብዛዕባ ሓለዋ ባህርያዊ ሰባት ንምምስራሕ ውልቃዊ ዳታንን ናጻ ምንቅስቓስ ናይ ከምኢ ዝኣመሰለ ዳታን ዝምርኮስ።

ፈዳሲል ንምምስራሕ ውላዊ ዳታኹም ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝተኣከቡ ሓላፍነት ይወስድ ኣብዞም ዝስዕቡ www.fedasil.be, www.voluntaryreturn.be ከምኡ ድማwww.fedasilinfo.be. ነቶም ፈዳሲል ሃላፍነት ዝወስደሎም መርበባት-ሓበሬታ ብምርኣይ፡ ውልቃዊ ዳታኹም ብመሰረት ዓንቀጻት ናይቲ ህሉው ኣዋጅ ይምስርሑ ምህላዎም ትቕበሉ።

ኣብ ናይ ፈዳሲ መርበብ ሓበሬታ ውልቃዊ ዳታ ኣብ ተቕርብሉ እዋን፡ ንኣብነት ናይ ርክብ ሓበሬታ ፎርም ኣብ ትመልእሉ፡ ዳታኹም ነቲ ዝተዓለመ ናይ መወዳእታ ዕላማታትን ንጠለብኩም ብዝበለጸ ንምምላስን ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እዩ። ነዚ ዳታ'ዚ ንሳልሳይ ኣካላት ፈጺምና ኣክንህቦምን ኢና።

ፈዳሲል ትሑት ስግኣተ-ሓደጋ ነቲ ተጠቃሚ መርበብ-ሓበሬታ ዘለዎም ኩኪታት ጥራይ ይጥቀም። እዞም ኩኪታት እዚኦም ነቲ ናይ ቋንቋ ምርቻታት ንምዕቃብን ናይ ተጠቃምነት ስታትስቲክስ ስም ብዘይጠቅስ መንገዲ ንምምንጫውን ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ።

መሰላት ናይቲ በዓል ጉዳይ

እቲ ሓፈሻዊ ቁጽጽር ብዛዕባ እቲ ሓለዋ ውልቃዊ ዳታ ነቲ ዜጋ ውሱናት መሰላት ብዛዕባ እቲ ቊጽጽር ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ዳታ ይህብ። ነፍስ ወከፍ ዜጋ ነዞም ዝስዕቡ መሰላት ይውንን፥

ሓበሬታን ምርኣይን ውልቃዊ ዳትኦም፡ መሰል ምርካብ ናቱ ቅዳሕ፣

ነቶም ዘይልክዕ ውልቃዊ ዳታ ናይ ምእራም ከምኡ ድማ ናይ ምስራዝ ውልቃዊ ዳታ፣

ድሩትነት ብዛዕባ ምምስራሕ ውልቃዊ ዳትኦም፣

እቲ ምርካብ ተቓውሞ ኣንጻር ኣውቶማቲካዊ ምሃብ-ውሳነ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ሰብ ጸብጻብ ምንጋር፣

እቲ ተንቀሳቓስነት ናይቲ ዳታ።

ነዞም መሰላት እዚኦም ኣብ ፈዳሲል ክትጥቀምሎም ትኽእሉ ንሕቶታትኩም ብመገዲ እቲ ኣድራሻ privacy@fedasil.be ወይ ብመገዲ እቲ ናይ ርክብ ፎርም ብምሕታት፡ ንሕቶታትኩም ኣብ ውሽጢ ወርሒ ክንምልሶም ኢና።

ሕግታት ናይ ሓለዋ ዳታ

ፈዳሲል ውሕስነት ናይቲ ሓላፍነት ዝወስደሉ ዳታ ንምሕላው ጻዕርታት የካይድ። ናይ ሕጊ ክርክር ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ እቶም መረረታት ናብቲ በዓል መዚ ሓለዋ ዳታ ናይ ፈዳሲል ብኢመይል ናብ dpo@fedasil.be ወይ ናብቲ በልጅማዊ ከባብያዊ ሓላፍነት ዝወስድ ተቖጻጻሪ ናይቲ ምትግባር ሓለዋ ዳታ ክስደድ ይኽእል።

ተቖጻጻሪ ሓለዋ ዳታ

Rue de la Presse, 35, 1000 Brussels

+32 (0)2 274 48 00

contact(at)apd-gba.be

መሰል-ቅዳሕ

ስእልታት፡ እቲ መሰል ቅዳሕ ነቲ ኣብwww.fedasilinfo.be ዝርኣዩ ስእልታት ዘለዎ ፈዳሲል እዩ እንተድኣ ከምኡ ዘይምዃኑ ዘይተሓቢሩ።

ጽሑፋት፥ እንተድኣ ከምኡ ዘይምዃኑ ዘይተገሊጹ፡ እቲ ኣብ www.fedasilinfo.be ዘሎ ሓበሬታ ካብ መሰል-ቅዳሕ ናጻ እዩ።

ምብዛሕ፥ እቲ ውልቃዊ ኣጠቓቕማ ናይዚ ሓበሬታ'ዚ (ጽሑፋትን ስእልታትን) ናጻን ፍቑድን እዩ፡ እንተድኣ ምንጪ ተነጺሩ ("ካብ www.fedasilinfo.be፡ ካብቲ ማእከል ሓበሬታ ንደከይቲ ዕቚባ ኣብ በልጅም ዝተወስደ ሓበሬታ")።

መፍለጢ

ናይ ዓይነት/ብቕዓት ስክፍታታት፥ ፈዳሳል ብብቕዓት ናይቲ ኣብ www.fedasilinfo.be ዝሕተም ሓበሬታ ኣዝዩ ግዱስ እዩ።እንተድኣ ገለ ካብቶም ኣብ www.fedasilinfo.be ዝሕተም ዘይቅኑዕ ኮይኑ፡ ፈዳሲል ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክእርሞ ይደሊ።

ተሓታትነት፥ ፈዳሲል ንዝኾነ ቀጥታዊ ወይ ዘይቀጥታዊ ዕንወት በቲ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዝሰፈረ ሓበሬታ ዝስዓበ ተሓታቲ ክኸውን ኣይክእልን።