ኮሮና ቫይረስ ንምቍጽጻር ዝሕግዙ መምርሒታት

ኣእዳውና ብሳሙናን ማይን ንተሓጸብ፡ ካብ ሰባት ድማ ፍንትት ንበል። ከምኡ ብምግባርና፡ ንሕና በዚ ሓድሽ ዓይነት ኮሮና-ቫይረስ ንኽንተሓዝ ወይ ብእኡ ተታሒዝና ንኻልኦት ሰባት ንኽንልክም ዘሎ ተኽእሎ ከነጕድል ኢና።  

ኮሮና-ቫይረስ እንታይ እዩ?

ኮሮና-ቫይረስ ምስ ጉንፋዕ ኣዝዩ ዝመሳሰል ሕማም እዩ። ተኽእሎታት ምልክታት ሕማም ከኣ ጸገማት ምስትንፋስ፡ ምስዓልን ምጥፋእ ስምዒት ናይ ምሽታት ወይ ምስትምቓር እዮም። መብዛሕትኦም በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ይሓውዩ እዮም። ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ከምኡውን ናይ ሳንቡእ፡ ናይ ልቢ ወይ ድማ ናይ ኮላሊት ጸገማት ንዘለዎም ሰባት፡ እዚ ቫይረስ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል።

ኮሮና-ቫይረስ ካብ ሰብ ኣብ ሞንጎ ሰባት እዩ ዝመሓላለፍ። ሓደ በዚ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ምስ ዝስዕል ወይ ንደገ ምስ ዘተንፍስ፡ እቲ ቫይረስ ካብ ኣፍን ኣፍንጫን እቲ ሰብ ብዝወጹ ደቀቕቲ ንጣራት ክዝርጋሕ ይኽእል። ዝተለኽፍር ሰብ ነቲ ቫይረስ ብመገዲ ናይ ኢድ ምትንኻፍ ከመሓላልፎ ይኽእል። እቲ ቫይረስ ብመገዲ ዝተበከል ነገር'ውን ክመሓላለፍ ይኽእል።

ኣንጻር ኮሮና-ቫይረስ ዝውሰዱ ስጉምትታት

  • ካብ ካልኦት ሰባት ናይ 1.5 ሜትሮ ርሕቀት ሓልዉ
  • ኣእዳውኩም ብስሩዕ ብማይን ሳሙናን ተሓጸቡ
  • ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ኣብቲ መቐበሊ ማእከል፡ ድኳናትን ኣብ ክሎም ህዝባዊ ቦታታትን ማስኬራ ግበሩ
  • እንተድኣ ሕማም ተሰሚዕኩም፡ ኣብ ገዛኹም/ክፍልኹም ኩኑ
  • ምሳኹም ጥቡቕ ርክብ ዝገብሩ ሰባት ደርቱ ዓበይቲ ጉጅለታት ኣወግዱ
ንገዛእ ርእስኹምን ንካልኦት ሰባትን ካብ Covid-19 ተኸላኸሉ

እንተድኣ ኣብቲ መቐበሊ ማእከል ሓሚምኩም

  • ነቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምሕባር ንዶክተር፡ ንማሕበራዊ ሰራሕተኛኩም ወይ ነቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክሕብረልኩም ንሰብ ሕተቱ
  • ናብቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ወይ ናብቲ መቐበሊ ባዕልኹም ምካድ ኣይፍቀድን እዩ
  • ክሳብ እቲ ዶክተር ወይ ነርስ ክራየኩም ዝመጽእ ኣብ ክፍልኹም ኮይንኩም ተጸበዩ

እንተድኣ እቲ ዶክተር ወይ ነርስ በቲ ኮሮናቫይረስ ተለኺፍኩም ኣለኹም ኢሎም ዝሓስቡ ኾይኖም፡ ክሳብ ትሓውዩ ኣብቲ ናይ ምንጻል ዞባ ናይቲ መቐበሊ ማእከል ክትጸንሑ ኣለኩም (እንተውሓደ 7 መዓልታት)።

ምስ ሰራሕተኛ ናይቲ መንግስቲ ብሓባር ብምዃን ወይ ምስቲ መቐበሊ ማእከል ምክትታል ርክብ ዝጸንሖም ሰባት ክትጅምሩ ከምኡ ድማ ዝርዝር ናይ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስኦም ርክብ ዝጸንሓኩም ሰባት ክተውጽኡን ኢኹም።