ቤልጂዩም ንጉስ ኣለዋ

ቤልጂዩም፡ ብንጉስ እትምራሕ ንጉሳዊት ሃገር እያ። እቲ ንጉስ ድሩት ፖለቲካዊ ስልጣን ኣለዎ፣ ግን ንሱ ሓያል ምልክት/መርኣያ ናይታ ሃገር እዩ።

ድሩት ፖለቲካዊ ስልጣን

ኣብ በልጅም፡ እቲ ንጉስ ድሩት ፖለቲካዊ ስልጣን ኣለዎ። ንሱ ምልክት ናይታ ሃገር እዩ። ቤልጂዩም ዲሞክራስያዊት ሃገር ስለዝኾነት፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኢድ ሃገራዊ ባይቶ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ምኒስተር እዩ ዘሎ። ንሳቶም ብህዝቢ ዝተመርጹ እዮም። እቲ ንጉስ ነቶም ፖለቲካዊ መራህቲ የማኽሮምን ንኽሎም ሕግታት ይፍርመሎምን። እዚ ብመሰረት ቅዋምግድን ክኸውን ዘለዎ ኣገባብ ኣመራርሓ ኰይኑ፡ ቅዋም ድማ እቲ ቀንዲ ሕጊ ናይ ቤልጂዩማውያን እዩ።

ምውራስ

እቲ ሕጂ ዘሎ ንጉስ፡ ንጉስ Philippe (ፊሊፕ)፡ ድሕሪ ኣቡኡ ናብ ዝፋን ደይቡ። ንጉስ ምዃን ብትውልዲ እዩ፡ ደቁ ነቲ ሕጂ ንጉስ ዘሎ ጥራይ ከኣ ንጉስ ክኾኑ ይኽእሉ። እቲ ንጉስ ዝኾኑ ደቂ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ንጉስ ወይ ንግስቲ ይኾኑ።

ናትና ንጉሳዊ ስድራቤት

ንጉስ Philippe (ፊሊፕ) ምስ ሰበይቱ ንግስቲ Mathilde (ማቲልድ) ከምኡ'ውን ኣርባዕተ ደቁ ኣብ ብራስለስ ይቕመጥ። ቦኽሪ ጓሎም፡ ልእልቲ Elisabeth (ኤሊሳቤት) ሓደ መዓልቲ ንግስቲ በልጅም ክትከውን እያ።

ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ
© Koninklijk Paleis/Palais Royal/Königlicher Palast/Royal Palace - ሰኣሊ፦ ሚከል ግሮነምበርገር