ቤልጂዩም 6 መንግስታት ኣለዋ

ቤልጂዩም 1 ፈደራላዊ መንግስትን 5 ዞባውያን መንግስታትን ኣለዋ። ነፍስ ወከፍ መንግስቲ ብርክት ዝበሉ ናይ ገዝእ ርእሶም ስልጣን ዘለዎም ምኒስተራት ኣለውዎ።

በልጅም ፈደራላዊት ሃገር እያ

ስለምንታይ እያ ከም በልጀም ዝበለት ንእሽቶ ሃገር 6 መንግስታት ዘለውዋ፧ በልጅም ፈደራላዊት ሃገር እያ፡ እዚ ማለት ድማ ብዙሓት ብፈደረሽን ዝሓበራ ክፍለሃገራት ኣለዋ፥

በልጅም 3 ዞባታት ኣለዋ

  • እቲ Flemish (ፍላንደራዊ) ዞባ
  • እቲ ዞባ Walloon (ዋሉን)
  • እቲ ዞባ ርእሲ ከተማ-ብራስለስ

ከምኡ'ውን 3 ማሕበረሰባት

  • እቲ Flemish (ፍላንደራዊ) ማሕበረሰብ
  • እቲ ፈረንሳዊ ማሕበረሰብ
  • እቲ ጀርመናዊ ማሕበረሰብ

5 ዞባውያን መንግስታትን 1 ፈደራላዊ መንግስትን

ነፍስ ወከፍ ብፈደረሽን ዝሓበረት ክፍለሃገር ናይ ገዛኣ ርእሳ መንግስቲ ኣለዋ። ብፍሉይ፡ እተን ዝሕበራ ክፍለሃገራት ናይቲ Flemish (ፍላንደራዊ) ማሕበረሰብን እቲ Flemish (ፍላንደራዊ) ዞባን ሓደ ንጽል Flemish (ፍላንደራዊ) መንግስቲ ኣለወን። ብኸም`ዚ፡ ኣብ ቤልጂዩም 5 ዞባውያን መንግስታትን 1 ፈደራላዊ መንግስትንክህልዉ ክኢሎም። ንመላእ ሃገር ብዛዕባ ዝምልከቱ ጉዳያት ውሳኔ ዘሕልፍ ማእከላይ መንግስቲ እዩ።

ሓደ መንግስቲ ብምኒስተራትን ዋና ጽሓፍትን ዝቖመ እዩ፡ ነፍስ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣን ኣለዎም፥ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር፡ ጉዳያት ወጻኢ፡ ፍትሒ፡ ህዝባዊ ጥዕና፡ ወዘተ።